top of page

Covid-19 - Crisis information in Tigrinya / ትግርኛ

Covid 19

ኣብዚ ገጽ`ዚ፤ ንኮሮና ቪሩስን ኩነታትን ብዝምልከት ዝሕብሩ፤ ናይ ዝእመኑ ኣቃላሕቲ መራኸብ ብዙሓን መተኣሳሰሪ (ሊንክ) ብዝተፈላለዩ ቋንቋትት እንልእከሉ ኢዩ።

ኣትኩሮና ድማ ናብቲ ኣብ ሽወደን ዘሎ ኩነታት ኢዩ። እቲምንታይሲ፥ ናይቲ ቪሩስ ኣዘረጋግሓ ከምኡውን ሓብረተሰባዊ ቅርጻታት፥ ባህሊ፥ ምጣኔሃብቲን (ቁጠባን) ፖለቲካን ሃገራት ከመይ ከምዝመስሉ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ኣዝዩ ስለዝፈላለ ኢዩ። እዚ ፍልልያት ድማ፥ ነቶም ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ምቕራጽ ስትራተጂታቶም ይጸልዎም ኢዩ። ስለዚ ኩላቶም ውልቀሰባት፤ ነፍስወከፍ ኣብ ዝነበረሉ/ትነብረሉ ቦታ ናይ ዝርከብ ሓበረታ ክረክብ/ክትረክብ ኣገዳሲ ኢዩ።

ኣብዚ ብምጥዋቕ፤ ናብ ኣገደስቲ/ ኣድለይቲ መካነ-መርበባት ትመጽእ። 

ንረድኤትን ደገፍን ኣብ ዝምልከት ገጽ ንምብጻሕ፤ ኣብዚ ጠውቕ።​

ጽሟቕ ሓበረታታት ቅልውላው 9 ሚያዝያ (ኣፕሪል) 2020

እዚ፥ ናይዚ ሎሚ ኣብ ሽወደን ዘሎ ኩነታት ኮሮና ንክንፈልጥ ኣገዳሲ ዝኾነ ጽሟቕ ኢዩ። እዚ ጽሟቕ`ዚ ካብቲ መንግስታዊ ኣካል ህዝባዊ ክንክን ጥዕና`(Folkhäslomyndigheten)፤ መንግስቲ፣ ክሪስ.ሰ (Kris.se) ከምኡውን ናይ ሉንድ ማዘጋጃ በት (ኮሙን) ክሳዕ 8 ሚያዝያ (ኣፕሪል) 2020 ዘመሓላለፍዎ ዝተበገሰ ኢዩ።

 

ምልባዕ ኮሮናቪሩስ ኣብ ሽወደን፤

ኣብቲ ዲያግራም ዝርከብ ስእላዊ መግለጺ፤ (ብሸንኽ ጸጋም) ቁጽሪ ናይቶም ምሕማሞም ዝተረጋገጸ ብመንጽር ዕድመ ከርኢ እንከሎ፤ ንሸነኽ የማን ዝረአ ድማ ክንደይ ከምዝሞቱ ብመንጽር ዕድመ የርኢ። እቲ ብሸነኽ ጸጋም ዘሎ ቁጽሪ ናይቶም ምሕማሞም ዝተረጋገጸ ጥራሕ ኢዩ። እዚ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣዝዮም ዝበዝሑ ሓሚሞም ዝነበሩን ዘለዉን ከምዝኾኑ የርኢ። ነቶም ዝበዝሑ ዝተለበዱ፤ ኮሮና ቪሩስ ሓደገኛ ዘይኮነ ለበጥ ዝበለ ሕማም ጥራይ ኢዩ ዝስምዓም። ካብ ኩሉ ግን እዚ ለበዳ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ`ሞ ኣቕዲሙ ገለ ሕማማት ዝነበሮም ኢዩ ሓደገኛ ዝኸውን። ሎሚ ለበዳ ኮሮና ኣብ ምሉእ ክፍልታት ሽወደን ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ግን እቲ ኣዝዩ ተጠቒዑ ዘሎ ስቶክሆልም ኢዩ።

ነቲ ንላዕሊ ዘርኢ ዘሎ ኣመልካቲ ንታሕቲ ምጽቃጥ፤

ንለበዳ ክሮና ፈጺምካ ደው ምባሉ ዘይከኣል ኢዩ። ኣብ ሽወደን ይኹን ኣብ ዓለም መብዝሕትኦም በዚ ቪሩስ ክጥቅዑ ኢዮም፤ ነቶም ዝበዝሑ ድማ ክንድቲ ሓደጋ ኣይክህልዎን ኢዩ:: በት ሕክምናታት ንዝኮነ ሕሙም ክሕክሙን፥ ነቶም ብሰንኪ ኮሮንቪሩስ ዝሓምሙን ክኣልዩ ንክበቕዑ፤ ቅልጣፈ ለበዳ ቀስ ኢሉ ክዝርጋሕ ክኽእል ዝለዓለ ተደላይነት ዘለዎ ኢዩ፥ ማለት ምእንቲ ብዙሓት ኣብ ሓደ እዋን ከይሓምሙ። “ -ነቲ ንላዕሊ ዘርኢ ዘሎ ኣመልካቲ ንታሕቲ ምጽቃጥ- ተባሂሉ ዝጽዋዕ።

ኩነታት በት ሕክምናታት

ሰራሕተኛታት በት ሕክምናታት ሽወደን፥ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣዝዮም ኣበርቲዖም ይሰርሑ ኣለዉ። ነቶም ኣብ ከቢድ ኩነታት (ኢንተሲቭቮርድ) ዘለዉ መእለዪ ዝኸውን ሓደስቲ ቦታታት ቆይመን ኣለዋ። ንሓዋሩ ነዞም ሰራሕተኛታት ዝኸውን ኣድላዪ ናይ መከላኸሊ ዕጥቂ ንክህሉ ውሕስነት ንምግባር ግን ጸገም ኣሎ። ነዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ቀረባ እዋን ዝኸውን ናይ መከላኸሊ ዕጥቂ ዝምልከት ግን ዝኣክል ኣሎ። ኣብዚ ዘሎናሉ እዋን ንኹሎም ከቢድ ምእላይ ዘድልዮም ሕሙማት ዝኸውን ቦታውን ኣሎ ኢዩ። እቲ ዘድሊ ዘሎ፥ ነቲ ንላዕሊ ዘመልክት ዘሎ ናህሪ ንታሕቲ ምጽቃጡ ኢዩ።

ውልቃዊ ሓላፍነት

ብዝሒ ንታሕቲ ንከንቆልቁል ምግባር ናይ ምሉእ ሕብረተሰብ ሓላፍነት ኢዩ። ንውልቀሰባት ድማ እዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ይምልከትኦም፤

  • ናይ ጉንፋዕ ምልክታት ምስ ዝስመዓካ፤ ወላ`ውን ትሑት ይኹን ካብ ገዛ ኣይትውጻእ። እቲ ምልክት ድሕሪ ምጥፍኡ ድማ፤ ንክልተ ተኸታተልቲ መዓልትታት ካብ ገዛ ኣይትውጻእ።

  • ካብ ካልኦት ሰባት ብኣካል ንከይትቀራረብ ኣጸቢቕካ ርሓቕ። እዚ ድማ ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ደገ ማለት`ዩ።

  • ምስዓልን ህንጥሾ ምባልን ኣብ መፍሰል ብርኪ ኢድካ።

  • ኣእዳውካ ብውዑይ ማይን ብሳቡናን ምሕጻብ። ማይን ሳቡናን ኣብዘይብሉ ድማ ናይ ኢድ ኣልኮል ይሰርሕ ኢዩ።

  • ኣብ ገዛ ንክሰርሕ ዘፍቅድ ስራሕ ትሰርሕ እንተድኣ ኰንካ፤ ኣብ ገዛኻ ኰንካ ስራሕ።

  • ምስ ካብ 70 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ዘይምርኻብን ዘይምብጻሕን።

  • ዕድሜኻ ካብ 70 ዓመት ንላዕሊ እንተድኣ ኮይኑ፥ ኩሉ ምስ ሰባት ዘለካ ርክባት ኣቋርጾ። ወላውን ንዕዳጋ ምኻድን ብህዝባዊ መጎዓዓዝያታት ምጉዓዝን ኣቋርጽ። ብእግርኻ ወጺእካ ምዝዋር፥ ኮይኑ ግን ጥቓ ካልኦት ካብ ምቕራብ ተጠንቀቕ።

  • ካብ ፌስታታትን ማሕበራዊ ውራያትን ርሓቕ።

  • መካይን ብብዝሒ ኣብ ዝወጻሉ ሰዓታት ኣይትጎዓዝ።

  • ናብ ካልእ ክፍልታት ናይታ ሃገር ኣይትጎዓዝ። እዚ ድማ ብሓደ ሸነኽ ነቲ ዘሎካ ለበዳ ሒዝካ ከይኸይድ፥ ብካልእ ሸንኹ ድማ ሓደ ሰብ ኣብታ ከም ነባሪ ዝተቕመጠላን ዝተመዝገበላን ቦታ ንክህሉ፤ ምናልባሽ ንገዛእ ርእሱ ሕክምና እንተድኣ ኣድልይዎ።

ምዕዶን ሕግታትን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ፤

  •  ካብ 50 ስባት ንላዕሊ ብሓንሳብ ክእከቡ ክልኩል ኮይኑ ኣሎ።

  • ካልኣይ ደርጃ በት ትምህርትን፥ ናይ ልዕሊ ዕድመ ዝኾነ በት ትምህርትን ኣብ ክንዲ ኣብ በት ትምህርቲ ብርሑቕ ኣብ ገገዝኦም ኮይኖም ክመሃሩ።

  • ኣረጋውያን ኣብ ዝቕመጡሉ መንበሪ ምብጻሕ ተኸልኪሉ ኣሎ።

  • ናይ ስፖርት ማሕበራት፥ እንተተኻኢሉ ስፖርታዊ ንጥፈታቶም ኣብ ቃልዕ/ደገ ከካይዱ፤ ግጥምያታቶምን ልምምዳቶምን ውድድራቶምን ኮፓታትን ንካልእ እዋን ከሰጋግርዎ፥ ወይ ከኣ ቁጽሪ ናይ ተዓዘብቲ/ተመልከትቲ ክውስኑ።

  • ማሕበራት ንኣባላቶም ኣብ ሓደ ቦታ ክእክቡ ዝግብኦም ነይሩ እንተኾይኑ፥ ኣኸባታቶም ንካልእ እዋን ከሰጋግርዎ ይግባእ።

  • ኣብ ህዝባዊ መጎዓዝያታትን ካልእ ናይ መጎዓዝያ ተንቀሳቐስትን ዝጸዓኑ ተሳፈርቲ ቁጽሮም ውሱን ክኸውን ይግባእ። ምእንቲ ጽቕጥቅጥ ከይፍጠር ድማ ጊዜታት መጎዓዓዝያ ምስ ኩነታት ብዝሰማማዕ ክመዓራረ ይግባእ።

  • ወሃብ ስራሕ፥ ሰራሕተኛታትን በጻሕትን/ዓማውል ርሕቀት ክሕልዉ ከምዘለዎም ክከታተል፤ ከምኡውን ዘየድሊ ጉዕዞታት ብምውጋድ፥ ሰራሕተኛታት ኣብ ገዛውቶም ኮይኖም ክሰርሑ ከፍቅድ።

  • ድኳናትን ናይ ዕዳጋ ማእከላትን ኣደራሻትን፥ ኣብ ሓደ እዋን ክርከቡ ንዝኽእሉ ቁጽሪ ሰባት ገደብ ክገብሩሎም። ኣብ ምኽፋል (ካሳ)ንዝፍጠር መስርዕ ካልእ መተካእታ ክረኽቡሉ፥ ወይ`ውን ኣብ ሞንጎ ክልተ ዓማውል ኣብ ሞንጎኦም ክሳብ ክንደይ ርሕቀት ክህሉ ከምዝግብኦን ክርእይዎ ይግባእ።

  • ኣብ መስርዓትን ጣውላታትን ባዕልኻ መግቢ ተልዕለሉ ቦታትን ከምኡውን ናይ ቤት ብልዕታት ባር ጠዋሉን ጽቕጥቅጥ ክረአ የልብሉን፤ እንታይ ደኣ፥ ዓማውል ካብ ሕድሕዶም ክረሓሓቑ ይግባእ።

  • ተጠሊቡ ኣብ ገዛ ዝመጽእ መግቢ ከም ቀደሙ ክቕጽል ይኽእል፥ እዚ`ውን ኣብ ሞንጎ ሰባት ጽቕጥቅጥ ዘይፈጥር ምስ ዝኸውን ኢዩ።

 

እዚ ምዕዶታትን ሕግታትን ክሳብ 31 ታሕሳስ (ደስምበር) 2020 ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኢዩ። ኮይኑ ግን ቅድሚኡውን ክለዓል ይኽእል ኢዩ፤ ወይ ድማ ኣድላይነት ምስ ህዝልዎ ክናዋሕ እውን ይኽእል ኢዩ። 

ዝተረፈ

  • ቅድመ-ትምህርታውን መባእታውን በት ትምህርትታት፥ ክሳብ ሕጂ ከም ቀደመን ክፉታት ኢየን። ስለዚ ኩሎም ምስ ጥዕንኦም ዘለዉ ቆልዑ በት ትምህርቲ ይኸዱ። እዚ ድማ ንናይ ቆልዑ ጥዕናን ምዕብልናን ኣገዳሲ ኢዩ። ቆልዑ ኣብ ዘስግእ ደረጃ ሕማም ክበጽሑ ኣዝዩ፥ ኣዝዩ ዘይልሙድ ኢዩ። ብዛዕባ ዘሎ ኩነታ ዘሎካ ሰለሎ ኣብ ደቅኻ ኣይተሰጋግሮ፤ እንታይ ደኣ፥ ንሕቶታቶም ኣብ ጭብጢ ብዝተሞርኮሰ ኣገባብ መልሰሎም። ነቲ ዝውቱር ልማዳትካ ከም ቀደምካ ቀጽሎ። ንቆልዑኻ ድማ ነዚ ዘሎ ኩነታት ንምምሕያሽ ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ይሰርሑሉ ከምዘለዉ ብምሕባር ተስፋ ከምዝሓድሮም ግበሮም። ውላድካ ብሰንኪ ሕማም ንንውሕ ዝበለ እዋን ካብ ትምህርቲ ምስ ዝቦኩር፤ ምስ በት ትምህርቲ ተራኺብካ ኣብ ገዛ ኮይኑ ዝሰርሖም ኣይነዎት ምዃኖም ሕተት። ንደቅኻ ከመይ ኣእዳዎም ከም ዝሕጸቡ ኣርእዮምን ኣዘኻኽሮምን።

  • ከም ዝሓመምካ ምስ ኣስተብሃልካ፤ ንካልኦት ከይትልክም፥ ሕሙም ክሳብ ዘለኻ ኣብ ገዛኻ ኩን። ድሕሪ ምሕዋይካውን ቅድሚ ስራሕ ምጅማርካ 2 መዓልትታት ተጸበ። ኣብ ገዛ ባዕልኻ ነፍስኻ ምእላይ ዘጸግመካ እንተድኣ ኮይኑ፤ ኣብ ናይ ውሃብ ምዕዶ ሕክምና 1177 ደውል። 

  • ምውስዋስ ኣካላትን ደገ ወጺእካ ምስጓምን ንጥዕና ዓበይቲ ይኹን ቆልዑ ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ክስትብሃል ዘለዎ ካብ ካልኦት ብኣካል ካብ ምርኻብ ምርሓቕን፥ ንጽርየት ኢድ ብዝምልከት ጥንቁቕ ምዃንን ኢዩ።

  • ብሰንኪ ዘሎ ኩነታት ኮሮና፥ መንግስቲ ብዙሓትን ዝተፈላለዩ ንቅልውላው ዝምልከቱ መደባት ቀሪቡ ኣሎ፤ ከም ቁጠባዊ ደገፍ፥ ንትካላት (ኩባን ያታት)፥ ን ኣውራጃታትን ንማዘጋጃ በታትን (ኮሙናት)ዝኣመሰሉ ማለት`ዩ።

  • ሽወደን ጽቡቕ ናይ ናብራ ቀረብ ኣለዋ፤ እዚ ሕጂ ብሰንኪ ናይ ቪሩስ ኮቪድ19 ምዝርጋሕ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታትውን እንተኾነ ብዓቢ ደረጃ ኣይጸለዋን ኢዩ ዘሎ።

 

Källor: 

Folkhälsomyndigheten: https://www.folkhalsomyndigheten.se/smittskydd-beredskap/utbrott/aktuella-utbrott/covid-19/

Krisinfo.se: https://www.krisinformation.se/detta-kan-handa/handelser-och-storningar/20192/myndigheterna-om-det-nya-coronaviruset

Lunds kommun: https://lund.se/kommun--politik/kommunens-organisation/kommunens-krisorganisation/coronavirus-covid-19/

Regeringen: https://www.regeringen.se/regeringens-politik/regeringens-arbete-med-anledning-av-nya-coronaviruset/regeringens-beslut-och-initiativ-med-anledning-av-nya-coronaviruset/

statistik%20fall%20i%20Sverige%208%20apr

ኣገደስቲ  ሌንክታት  

Anchor 1

 

 

ነቲ ምስልታት/ኣሳእል ብምጥዋቕ፤ ኣብ ሓበረታታት ዘለዎ ትበጽሕ።

ብኸምዚ ነብስናን ንኻልኦትን ካብ¨ ሕማም ምትሕልላፍ ንከላኸል

folkhalsomyndigheten-share.png

እዚ መካነ-መርበብ (ለንክ)፤ ናብቲ ብከመይ ንገዝእ ርእስኻን ካልኦትን ካብ ምዝርጋሕ ኮሮና ከምእትከላኸል ዝምዕድ ይመርሓካ።

ስልጣን “ክንክን ጥዕና ህዝቢ” ፤ ንጥዕና ህዝቢ ዝምልከት መዝነት ኣለዎ። እዚ መንግስታዊ ኣካልዚ፤ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ሞያውያን ፈላጣት ሰራሕተኛታት ዝሓዘ ኢዩ። ዕማማቶም ድማ ጽቡቕን ዝተመዓራረየን ጥዕና ንምብርካት፤ ሕማማትን ሃስያታትን ንዝምልከት ከሎገና ኣቐዲምካ ምክልኻልን፤ ከምኡውን ርጡብ ምክልኻል ለበዳ ምክያድን ንሕብረተሰብ ካብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣስጋእቲ ሕማማት ዝከላኸልን ኢዩ። መንግስታዊ ኣካል “ክንክን ጥዕና ህዝቢ”፤ ነዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ሕቶታት ብዝምልከት ንመንግስቲ ዘማኽር ኢዩ።

በዚ መተኣሳሰሪ (länk) ንኮሮና ዝምልከት ዜናታት ብትግርኛ ካብ “ራድዮ ሽወደን” (Sveriges Radio) ትረክብ። ራድዮ ሽወደን ኣካል ናይ’ቶም “ህዝባዊ ኣገልግሎታት” ተባሂሎም ዝስመዩ ኢዩ። እዚ ማለት፤ ንዜጋታት ዘገልግል፥ ካብ ዝኾነ ጽልዋታት፤ ሃይማኖት፥ ፖለቲካ፥ ቁጠባ፥ መንግስታዊ ይኹን ውልቃዊ ፍሉይ ጥቕምታት ናጻ ኢዩ። ንፈነዋታቱ`ውን፥ ብዘይካ ባዕሉ ዝዝርግሖን ዘይዝርግሖን እንተዘይኮይኑ፤ ዝኾነ ዝጸልዎ ኣካል የለን።

sveriges-radio-logo.png
Skärmbild (2).png

ኣብዚ መተኣሳሰሪእ`ዚ  ንቅልውላው ኮሮና ብዝምልከት ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ሓበሬታታት ብቋንቋ እንግሊዝ ትረክብ። ኣብ ´ክሪስ ኢንፎርማስዮን.ሰ`( krisinformation.se) ናይቲ ሕብረተሰብ እኩብ ናይ ቅልውላው ሓበረታታት ይመሓላለፍ። ኩሉ ኣብኡ ዝሕተም ድማ ብመንግስታዊ ኣካላትን ካብ ካልኦት ሓላፍነት ዝተሰከሙ ተዋሳእትን ዝተረጋገጸ ኢዩ።

ኣብዚ መተኣሳሰሪእ`ዚ  ንቅልውላው ኮሮና ብዝምልከት ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ሓበሬታታት ብቋንቋ ሽወደን ትረክብ። ኣብ “ክሪስ ኢንፎርማስዮን.ሰ” (krisinformation.se) ናይቲ ሕብረተሰብ እኩብ ናይ ቅልውላው ሓበረታታት ይመሓላለፍ። ኩሉ ኣብኡ ዝሕተም ድማ ብመንግስታዊ ኣካላትን ካብ ካልኦት ሓላፍነት ዝተሰከሙ ተዋሳእትን ዝተረጋገጸ ኢዩ።

ተወሳኺ  ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ።

መንግስትዊ ኣካላት፤ ነዚ ሓዲሽ ቪሩስ ኮሮና ብዝምልከት ከምዚ ይብሉ።  → እዋናዊን - ኮሮኖ-ቫይረስ ብዚምልከት ተረጋጊጹ ዘሎ ሓበሬታን

1177-vårdguiden-logo-röd.png

በዚ መካነ-መርበብ ኣቢልካ፤ ንቪሩስን ነቶም ኣብ ገምገም ሓደጋ ዝርከቡ ጉጅለታት ከምኡውን ኣብ ኣውራጃ ስኮነ ንሕክምና ዝምልከትን ሓፈሻዊ ሓበረታታት ከተንብብ ይከኣል። ሓበረታ ብሓያሎይን ዝተፈላለዩን ቋንቋታት።

lund-logo.png

በዚ መተኣሳሰሪ (ሌንክ)፤ ናብቲ ማዘጋጃ ሉንድ (ኮሙን)፤ ብጉዳይ ኮሮና ብቋንቋ እንግሊዝ    ዘዳልዎ እኩብ ሓበረታታት ትኣቱ።

በዚ መተኣሳሰሪ (ሌንክ)፤ ናብቲ ማዘጋጃ ሉንድ (ኮሙን)፤ ብጉዳይ ኮሮና ብቋንቋ ሽወደን  ዘዳልዎ እኩብ ሓበረታታት ትኣቱ።

ተወሳኺ  ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ።

covid70.PNG

ሓበሬታ ነቶም ዕድሜኦም ካብ 70 ዓመት ዝኾኑ::

forsakringskassans_logotyp.jpg

ኣብዚ፤ ንዓኻ ከም ውልቀሰብ ብዝምልከት፥ ካብ ካሳውሕስነት (ፈርሴክሪንግስካሳን) ብቋንቋ ትግርኛ እዋናዊ ሓበረታታት ትረክብ።

Hallåkonsument.PNG

በዚ መካነ-መርበብ ኣቢልካ፤ ከም ሸማታይ ንመሰልካ ብዝምልከት፥ ካብ መንግስታዊ ትካል ሽመታ (ኮንሱመንትቨርከት) ንዝወጸ ሓበረታታት፤ ብቋንቋ ዓረብ ክትረክብ ትኽእል።

bottom of page